ምእላይ ቆልዑ ንካብ 1ይ ዕድመ ንየው ዘለው ቆልዑ፥ መዓልታዊ ክንክን ቆልዑ (Kindertagespflege) 

ምስ ካልኦት ቆልዑ ምጽዋትን ምምሃርን ኣብ ንእሽቶ ጉጅለ። ርጉጽን ስሩዕን ምእላይ ካብ ሓንቲ ግርም ዝተመሃረት ኣላይት ቆልዑ (Tagesmutter)። እዚ መዓልታዊ ክንክን ቆልዑ እዩ። ኣብዚ ቆልዑ ጽቡቕ ክስማዖም።

ኣብ ጀርመን 2 ወግዓውያን ከምኡ‘ውን ሃገራውያን ስሩዓት ኣማራጺታት ምእላይ ቆልዑ ኣለው፥ ወይ ኣብ ሓንቲ ኣላይት ወይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት (Kindergarten)። ምእላይ ብሓንቲ ኣላይት ማለት መዓልታዊ ክንክን ቆልዑ። ፍልልይ ድማ ብሕልፊ ዕብየት ጉጅለ እዩ፥ ኣብ ሓንቲ ኣላይት ክሳብ 5 ቆልዑ ክእለዩ እዮም - ጉጅለታት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት ይዓብዩ እዮም። ዳርጋ ኩሎም ዝያዳ ሰለስተ ዕድመ ዘለው ቆልዑ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት ይኸዱ። እቶም ዝነኣሱ ካብ ክንክን ህጻናት (Krippe) ወይ ካብ ሓንቲ ኣላይት ክእለዩ እዮም። ቅሩብ ቆልዑ ጥራይ ብሓንሳብ እንተዝእለዩ ኮይኖም ንንኣሽቱ ቆልዑ ጽቡቕ እዩ።

ግዜ ንዕማማት ወለዲ

ወለዲ ብዙሓት ዕማማት ኣለዎም። ይሰርሑ እዮም ወይ ስራሕ ወይ ስፍራ ልምምድ/ኣውስቢልዱንግ ይደልዩ። ንናቶም ኣፓርትመንት ከምኡ‘ውን ንስድራቤቶም ይከናኸኑ እዮም። ንምቕማጥ ኣብ ጀርመን ጀርመንኛ ምምሃርን ኣብ ስልጠናታት ምስታፍን ጽቡቕ እዩ። ወለዲ ንዕኡ ግዜ ስለዘድልዮም፣ ደቆም ብእሙንን ልክዕን ክእለዩ ኣለዎም። ሽዑ ጭንቀት ኣብ ደቆም ክገብሩ ኣየድልዮምን ከምኡ‘ውን ቆልዓኦም ጽቡቕ ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም ሽዑ።

«ቆልዓና ንሓንቲ ኣላይት ንምሃብ ግርም ምድላው ንቤት-ትምህርቲ ኔሩ።»

ትምህርትን ጸወታን ንቆልዑ

ቆልዑ ክጻወቱ ደልዮም። ክመሃሩን ክዓብዩን ደልዮም። ቆልዑ ብምጽዋት ኩሉ ኣብ መጻኢ ሕይወት ዘድልዮም ነገር ይመሃሩ እዮም። እተን ኣለይቲ ኣብኡ ይሕግዛኦም እየን ከምኡ‘ውን ቅስቀሳ ይህባኦም እየን። ኣብ ጀርመን ክረዳዳእ መታን ክትክእል ቋንቋ ጀርመን ምምሃር ጽቡቕ እዩ። ብርክብ ምስ ካልኦት ቆልዑ ከምኡ‘ውን በታ ኣላይት እቶም ቆልዑ ብቐሊል ጀርመንኛ ይመሃሩ እዮም።

«ኣላይትና ንዓቢ ወድና (4 ዓመት ዕድሚኡ) ብሓንሳብ ምስ ንእሽቶይ ጓልና (1 ዓመት ዕድሚኣ) ኣልያቶም ኣብ ሓደ ጉጅለ - እዚ ብጣዕሚ ደስ ኢሉና።»

መዓልታዊ ኣላይት እንታይ ማለት?

ኣብ ኩሉ መዓልቲ ዘላ ኣላይት ቆልዑ ክጻወቱን ክመሃሩን ይኽእሉ። ወለዶም ካልእ ኣገዳሲ ነገር ከስልጡ ከለው ብጽቡቕ ተኣልዮም እዮም። እተን ኣለይቲ ኣብ ስልጠናታት ተሳቲፈን ክእለት ንምእላይ ቆልዑ ምእንቲ ክመሃራ። ካብ ወግዓዊ ናይ ቆልዑ ቤትጽሐፍት (ቤት-ጽሕፈት መንእሰይ / Jugendamt) ፍቓድ ኣለዎም ከምኡ‘ውን ኩሉ ግዜ ክምርመራን ክቈጻጸራን እየን። ዋላ እቶም ክፍልታት ክምርመሩ እዮም። ናይ መዓልቲ ኣለይቲ ነቶም ቆልዑ ኣብ ምዕባለኦም የሰንያኦም እየን ከምኡ‘ውን ቅስቀሳታት ይህባኦም።  ንዓበይቲ ቆልዑ ኣብ ምድላው ቤት-ትምህርቲ ጽቡቕ ይሕግዛኦም። እታ ኣላይት ነቲ ቆልዓ እምነትን ውሕስነት ትህብ እያ። ዝኾነት ኣላይት ኣብ ንእሽቶ ጉጅለኣ ብዝለዓለ 5 ቆልዑ ትኣሊ ከምኡ‘ውን ትምኒታት ናይ ኩሎም ቆልዑትን ወለዶምን ተኽብር እያ።

«በቲ ንእሽቶ ዕብየት ጉጅለ ናይ መዓልቲ ኣላይትና ኣዚያ ብውልቅን ብተዓጻጻፍነትን ኣብ ኣድላይነታት ቆልዑ ከምኡ‘ውን ኣብ ትምኒታት ወለዲ ከተድህብ ትኽእል ኔራ።»

መዓልታዊ መደብ ናይ ሓንቲ ኣላይት ከመይ ይመስል?  

ኣብ ንጎሆ ወለዲ ንደቆም ናብታ ኣላይት የብጽሑዎም እዮም። ሽዑ ዝበዝሕ ብዜ ብሓንሳብ ክቖርሱ እዮም። ብድሕሪኡ እታ ኣላይት ምስቶም ቆልዑ ትጻወትን ትደርፍን እያ። ነዞም ቆልዑ ኣብ ምዕባለኦም ቋንቋ ተበርክቶም፣ ንምምሃር ትድርኾም ከምኡ‘ውን ምሳቶም ናብ ደገ ትኸይድ። እቶም ቆልዑ ብእኡ ኣገደስቲ ነገራት ይመሃሩ፣ ከም ንኣ. መትከላት ኣብ ትራፊክ ጽርግያ ከምኡ‘ውን ንተፈጥሮን ከባቢኡን ይዕዘቡ እዮም።  ኣብ ገዛ ድማ ብምጽዋት ክእለታቶም የማዕብሉ እዮም። መደብ መዓልቲ ሽዑ ይላለዩ እዮም። ኣብታ ኣላይት ይበልዑ ከምኡ‘ውን ድቃስ ቀትሪ ይገብሩ። እታ ኣላይት ዋላ መሓሰስያታት ናይቶም ቆልዑ ትቕይረሎም እያ። እቶም ቆልዑ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ክውሰዱ እዮም። እታ ኣላይት ልክዕ ከም ናይ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት ዕማማት ኣለዋ። እቶም ቆልዑ ጽቡቕ ይስማዖም ከምኡ‘ውን ምስ ካልኦት ቆልዑ ጽቡቕ ግዜ ንከሕልፉን ንክምዕብሉን ይሕጎሱ እዮም።

 

«ወድና ምስታ ኣላይቱ ብቕልጡፍ እሙንን ጽኑዕን ዝምድና ኣማዕቢሉ ከምኡ‘ውን ናብኣ ንክኸይድ ደስ ኢሉዎ።»

ኣላይት መዓልቲ ከመይ ገርካ ትረክብ?

ናይ መዓልቲ ኣለይቲ ካብ ወግዓውያን ቤት-ጽሕፈታትን ምምሕዳራትን (ቤት-ጽሕፈት መንእሰይ፣ ኣገልግሎት ሞያ/Fachdienst) ተመሓላሊፈን ኣለዋ። ኣብኡ ደሃይ ክትገብር ኣለካ፣ ልክዕ ከም ናይ ስፍራ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት። ኣብ ጀርመን ዝኾነ ቆልዓ ናይ ትምህርትን ኣተዓባብያን ምእላይን መሰል ኣለዎ ከምኡ‘ውን ኣላይት ወይ ኪታ/ ቤት-ትምህርቲ ህጻናት ክበጽሑ ይፍቐደሎም፣ ዋላ እቶም ወለዲ እንተዘይሰርሑ ኮይኖም። 

«እቲ ሃገር/መንግስቲ ከምኡ‘ውን እቶም ቤት-ጽሕፈታት እሙን ምእላይ ቆልዑ ከምዝምድቡ ንዓና ንወለዲ ጽቡቕ ስምዒት እዩ።»

እቲ ምእላይ ክንደይ ዋግኡ?

ወለዲ ንምእላይ ደቆም ክንደይ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዘለዎም፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ክንደይ ደሞዝ ከምዘለዎም ይምርኮስ እዩ። ወለዲ እንድሕር ውሑድ ገንዘብ ኣለዎም፣ ዋላ ሓደ ክኸፍሉ ኣየድልዮምን። ኣብ ገሊኦም ቦታታት እቲ ምእላይ ንኩሎም ነጻ እዩ።

ብዛዕባ‘ዚ ንቤት-ጽሕፈት (ቤት-ጽሕፈት መንእሰይ፣ ቤት-ጽሕፈት ሞያ) ኣብ ቦታኹም ሕተቱ።